schedule23.07.2021
→ ኤች. ኣይ. ቪ መሰላት COVID-19 ከምኡውን HivNorge
HivNorge(ማሕበር አችኣይቪ ኖርወይ) ሂቭኖርገ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝጥርንፍ እንኮ ማሕበር ተሓከምቲ ኣብ ኖርወይ እዩ፡ ከም ተወሳኺ ንኩሎም ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት ፈውሲ-PrEP ዝወስዱ ተጠቀምትን ብአችኣይቪ ክልከፉ ዝተዛየደ ተኽእሎታት ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓለለ ኣብ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ውን ንረብሓታቶም ዝቃለስ ማሕበር እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ አችኣይቪ እንታይ ማለት እዩ አችኣይቪ ንናይ ሰውነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጥቅዕ ቫይረስ እዩ። እቲ ቫይረስ ኣብ ሰውነት ምስ ኣተወ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ቀስ ብቐስ እንዳተዳኸመ ይኸይድ እሞ ንረኽስታትን ሕማማትን ዝያዳ ተቐባሊ እንዳኾነ ይመጽእ፡ ማለት ነዚ ጠጠው ዘብል ኣፋውስ ክሳብ ዘይተወስደ። ዝያዳ ሓበሬታ በየኖት መገድታት ይመሓላለፍን ብኸመይ ነፍስኻ ትከላኸልን ዕዉት ሕክምና ዝግበረሎም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ደሞም ቫይረስ ዘይዕቀነሎም ንካልኦት ሰባት አችኣይቪ ከመሓላልፉ ኣይክእሉን እዮም። ከምኡውን አችኣይቪ ብማሕበራዊ ርክባት፡ምሕቋፍ፡ምስዓም፡ሓደ ኩባያ ብምጥቃም ወዘተ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን። አችኣይቪ መብዛሕትኡ ግዜ ክመሓላለፈሎም ዝኽእል መገድታት ምስ ሕክምና ዘይግበረሉ ዘሎ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ብምስግጋር ደም፡ ብጥንሲ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል፡ ሕርስን ጸባ ጡብ-ኣደ ምጥባብን እዮም። ነፍስና ካብ አችኣይቪ ክንከላኸለሉ ዘኽእለና ብዙሓት ኣገባባት ኣሎዉ: ዝያዳ ሓበሬታ መርመራ አችኣይቪ ምውሳድ አችኣይቪ ኣለካ ድዩ የብልካን እንኮ ክትፈልጠሉ ትኽእል ኣገባብ መርመራ አችኣይቪ ብምግባር ጥራሕ እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ውጽኢት መርመራ ፖዘቲቭ እንተኾይኑ(ኣለካ ዝብል) ውጽኢት መርመራ አችኣይቪ ፖዘቲቭ እንተደኣ ኮይኑ ናብ ሓኪም ረኽሳዊ ሕማማት ኢኻ ትስደድ፡ኣብኡ ድማ ሕክምና ክግበረልካ ዕድል ይወሃበካ። ኣብ ኖርወይ ኩሎም ምስ አችኣይቪ ምትሕሓዝ ዘለዎም ሕክምናታት ነጻ እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧ ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ […]