ውጽኢት መርመራ ፖዘቲቭ እንተኾይኑ(ኣለካ ዝብል)

ውጽኢት መርመራ አችኣይቪ ፖዘቲቭ እንተደኣ ኮይኑ ናብ ሓኪም ረኽሳዊ ሕማማት ኢኻ ትስደድ፡ኣብኡ ድማ ሕክምና ክግበረልካ ዕድል ይወሃበካ። ኣብ ኖርወይ ኩሎም ምስ አችኣይቪ ምትሕሓዝ ዘለዎም ሕክምናታት ነጻ እዮም።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

አችኣይቪ ሎሚ ከም ሕዱር ኩነት እዩ ዝቑጸር፡ ንውሓት ትነብሮ ግዜ ወይ ዕምሪ ማዕረ ኩሎም ካልኦት ሰባት እዩ። እዚ ክዉን ንምግባር ብቐጥታ ሕክምና አችኣይቪ ምጅማር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንነፍስኻ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም ተወሳኺ ሕክምና ምስ ጀመርካ ብተዛማዲ ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ግዜ ኣብ ንካልኦት ሰባት ዘይተመሓላልፈሉ ደረጃ ትበጽሕ ምዃንካ ውን ርእሱ ዝኸኣለ ጥቕሚ ስለዘለዎ እዩ። ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዎርድ ረኽሳዊ ሕማማት እዩ ምክትታል ዝግበረልካ። ሕክምና ምስ ተጀመረ እቲ ሕክምና ይሰርሓልካ ከምዘሎ ምስ ተቋጻጸሩ ንዓመት ቁጽጽር ንኽግበረልካ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ምምጻእ ኣኻሊ እዩ። ሎሚ ሕክምና አችኣይቪ ብጣዕሚ ውሑድ ጎናዊ ሳዕቤናት ዘለዎ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንመዓልቲ ሓንቲ ከኒና ምውሳድ ኣኻሊ እዩ።  

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።