camera_altFoto: Shutterstock

ኤች. ኣይ. ቪ መሰላት COVID-19 ከምኡውን HivNorge

HivNorge(ማሕበር አችኣይቪ ኖርወይ) 

ሂቭኖርገ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝጥርንፍ እንኮ ማሕበር ተሓከምቲ ኣብ ኖርወይ እዩ፡ ከም ተወሳኺ ንኩሎም ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት ፈውሲ-PrEP ዝወስዱ ተጠቀምትን ብአችኣይቪ ክልከፉ ዝተዛየደ ተኽእሎታት ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓለለ ኣብ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ውን ንረብሓታቶም ዝቃለስ ማሕበር እዩ።  

ዝያዳ ሓበሬታ

አችኣይቪ እንታይ ማለት እዩ 

አችኣይቪ ንናይ ሰውነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጥቅዕ ቫይረስ እዩ። እቲ ቫይረስ ኣብ ሰውነት ምስ ኣተወ ናይ ምክልኻል ዓቕምና ቀስ ብቐስ እንዳተዳኸመ ይኸይድ እሞ ንረኽስታትን ሕማማትን ዝያዳ ተቐባሊ እንዳኾነ ይመጽእ፡ ማለት ነዚ ጠጠው ዘብል ኣፋውስ ክሳብ ዘይተወስደ።  

ዝያዳ ሓበሬታ

በየኖት መገድታት ይመሓላለፍን ብኸመይ ነፍስኻ ትከላኸልን 

ዕዉት ሕክምና ዝግበረሎም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ደሞም ቫይረስ ዘይዕቀነሎም ንካልኦት ሰባት አችኣይቪ ከመሓላልፉ ኣይክእሉን እዮም። ከምኡውን አችኣይቪ ብማሕበራዊ ርክባት፡ምሕቋፍ፡ምስዓም፡ሓደ ኩባያ ብምጥቃም ወዘተ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን።  

አችኣይቪ መብዛሕትኡ ግዜ ክመሓላለፈሎም ዝኽእል መገድታት ምስ ሕክምና ዘይግበረሉ ዘሎ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ብምስግጋር ደም፡ ብጥንሲ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል፡ ሕርስን ጸባ ጡብ-ኣደ ምጥባብን እዮም።  

ነፍስና ካብ አችኣይቪ ክንከላኸለሉ ዘኽእለና ብዙሓት ኣገባባት ኣሎዉ: 

ዝያዳ ሓበሬታ

መርመራ አችኣይቪ ምውሳድ 

አችኣይቪ ኣለካ ድዩ የብልካን እንኮ ክትፈልጠሉ ትኽእል ኣገባብ መርመራ አችኣይቪ ብምግባር ጥራሕ እዩ። 

ዝያዳ ሓበሬታ

ውጽኢት መርመራ ፖዘቲቭ እንተኾይኑ(ኣለካ ዝብል)  

ውጽኢት መርመራ አችኣይቪ ፖዘቲቭ እንተደኣ ኮይኑ ናብ ሓኪም ረኽሳዊ ሕማማት ኢኻ ትስደድ፡ኣብኡ ድማ ሕክምና ክግበረልካ ዕድል ይወሃበካ። ኣብ ኖርወይ ኩሎም ምስ አችኣይቪ ምትሕሓዝ ዘለዎም ሕክምናታት ነጻ እዮም።

ዝያዳ ሓበሬታ

ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።  እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

ዝያዳ ሓበሬታ

ስነ-ልቦናውን ማሕበራውን ደገፍ 

አችኣይቪ ሒዝካ ምንባር ከቢድ ጥዕናዊ ኩነት ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ብዛዕባ አችኣይቪ ብዙሕ ግጉይ ኣረኣእያታትን ዋሕዲ ኣፍልጦን ስለዘሎ። ስለዚ ክድግፈካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ኣገዳሲ ይኸውን። ደገፍትኻ መሓዙትካ፡ኣዝማድካ፡  

ዝያዳ ሓበሬታ

ሕጋዊ መዳያት 

አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ገለ መሰላትን ግዴታታትን ኣሎዎ። ብመሰረት ሕጋጋት ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንአችኣይቪ ዝግበረሉ ሕክምናታት ብምሉኡ ኣብ ኖርወይ ብነጻ ስለዝኾነ ርእሰ-ብጽሒት ውን ኣይትኸፍለሉን ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከማን ኣብ ሓኪም ስኒ ተውጽኦም ወጻኢታት ክምለሱልካ ይኽእሉ እዮም።  

ዝያዳ ሓበሬታ

መድሕን  

ውዕል መድሕን ክፍረም ከሎ ገሊኦም ዓይነታት ውዕላት መድሕን ጥዕናዊ ሓበሬታ ክትህብ ዝጠልቡ ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም መድሕን ሂወትን ስክንልናን (livs- og uføreforsikringer) እዮም።  

ዝያዳ ሓበሬታ

ካልእ ውዕላት መድሕን 

ንካልእ ውዕላት መድሕን አችኣይቪ ብኸመይ ይጸልዎ ንዝብል ከኣ ኣብ ብቐጥታ ምስ ጥዕና ምትሕሓዝ ዘለዎም ጉዳያት መድሕን ጥራሕ እዩ ምስክር ወረቐት ጥዕና ኣረክብ ምባል ዝፍቀድ። እዚ ማለት መድሕን ኣስጋእቲ ረቛሒታት ሞት፡ መድሕን ኣስጋእቲ ረቛሒታት ስንክልና፡ መድሕን ሕክምና፡መድሕን ጥዕና፡ መድሕን ብኩራት ብሕማም ምኽንያትን መድሕን ሓደገኛ ሕማማትን ማለት እዩ።  

ዝያዳ ሓበሬታ

መድሕን መገሻ 

መድሕን መገሻ እንተኾይኑ ድማ ብልቦናን ብሚዛናዊ ዝኾነ ኣገባብን እዩ ክርአ ዘሎ።  ጽቡቕ ጌሩ ዝተሓከመ አችኣይቪ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ኖርወይ ምክትታል ይግበረሉ እንተደኣ ሃልዩ ክትገይሽ ከለኻ ከኣ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት ዝርከብ እንተደኣ ሃልዩ ኮይኑ፡ ኣብ ሕማም አችኣይቪ ሃንደበታዊ ዘይተጸበኻዮም ለውጥታት እንተደኣ ተራእዮም ብመድሕን ይሽፈነልካ እዩ።  

ዝያዳ ሓበሬታ

ደገፋት ማሕበር ሂቭ ኖርገ 

ምስ ኩነት አችኣይቪ ብቐጥታ ዝተተሓሓዘ ሕጋዊ ምኽርታት ወይ ሓገዛት ዘድልየካ እንተኾይኑ ማሕበር ሂቭኖርገ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና። ከም ተወሳኺ ብዛዕባ ምስ አችኣይቪ ዝተሓሓዙ ካልኦት ሕቶታት ሓፈሻዊ ምኽርታት ንህበሉ ኣገልግሎት ኣለና።   

ማሕበር ሂቭኖርገ ዘይተራፕያዊ ዝርርባት ምስ አችኣይቪ ዘለዎም ወይ ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ፡ ተጠቀምቲ ፈውሲ PrEP ነካይድ ኢና። ምስ ማሕበር Chemfriendly ብምትሕብባር ቸም ዝበሃል ዓይነት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ተጠቀምትን ካልኦት ፍሉይ ጾታዊ ዝንባለታት ዘለዎም ዕጸ-ፋርስ ዝወስዱ ዝርርብ ነካይድ ኢና። ብሓባር ኮይንና ኣተርጓሚ የድሊ እዩ ኢልና እንተደኣ ገምጊምና ድማ ኣተርጓሚ ንጠልብ።  

ዝያዳ ሓበሬታ

ደገፍ ኣበይ ክርከብ ይከኣል: 

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኖርወይ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝሕግዛ ዝተፈላለያ ማሕበራት እየን ዘለዋ። ኣብ ታሕቲ ገለ ኣብነታት ኣሎ። ኣብዞም ቦታታት ሞየኛታትን ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባትን ክትራኸብ ዕድል ኣለካ። 

ዝያዳ ሓበሬታ

Hiv og Covid-19 አችኣይቭን ኮቪድ-19ን  

አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብኮሮና ቫይረስ ክልከፍ ወይ ብኮቪድ-19 ከቢድ ሕማም ክሕዞ ዝተዛየደ ተኽእሎ የብሉን። እንተደኣ ሰውነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ትሒቱ( ማለድ ቁጽሪ-CD4 ትሕቲ 200 ኮይኑ) ከምኡውን ካልኦት ከበድቲ ሕማማት ሃልዩካ ነቲ ተኽእሎታት ከዛይዶ ይኽእል እዩ።   

ማሕበር ሂቭኖርገ ብዛዕባ  አችኣይቪን ኮቪድ-19ን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ኣዳልዮም ኣለዉ።  

ዝያዳ ሓበሬታ

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።