ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

scheduleOppdatert: 06.03.2024

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧ (pdf)

ናይ ግሊ ሓኪም እንተሃልዩካ፡ ናይ ግሊ ሓኪምካ ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ረኽሲ ሪፈራል ከሕልፈካ እዩ።  ናይ ግሊ ሓኪም እንተዘይተመዲቡካ፡ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ባዕልኻ ብመንገድኻ ክትረኽቦም ትኽእል።

ብተወሳኺ ሓገዝ ምስ እትደሊ ኣብ ሂቭኖርጌ HivNorge ክትረኽበና ትኽእል። ብኢመይል (post@hivnorge.no) ክትጽሕፈልና ትኽእል ወይ ድማ ብስልኪ +47 21 31 45 80 ክትድውለልና ትኽእል። ናይ ስራሕ ሰዓታትና ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ 16.00 ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ እዩ።  ኣድላዪ እንተኾይኑ ተርጓሚ ኣብ ምቕራብውን ንሕግዝ።

ከመይ ጌርካ ናይ ግሊ ሓኪም ትረክብ?

ኣብ ኖርወይ ነበርቲ ንምልላይ ቁጽሪ መንነት ንጥቀም፡ እዚ ድማ ቁጽሪ ዕለተ ልደትን መለለዩ ቁጽርን ወይ ደ-ቁጽሪ እዩ።  ደ-ቁጽሪ ንቡር ቁጽሪ ዕለተ ልደትን መለለዩ ቁጽርን ንምርካብ ቅድመ ረቛሒታት ንዘየማልኡ ሰባት ዝወሃብ ግዝያዊ መለለዪ ቁጽሪ እዩ።

ኩሎም ኣብ መዝገብ ህዝቢ ምምሕዳር ኮሙን ኖርወይ ነባርነት ዘለዎም ሰባት ናይ ግሊ ሓኪም መሰል ኣለዎምን ይግበረሎምን እዩ።  ደ-ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ናይ ግሊ ሓኪም መሰል የብሎምን፣ እንተኾነ ግን ሕድገታት ኣለዉ፣ ንኣብነት ከም ሓተትቲ ዑቕባን ስድራቤቶምን።  ግሊ ሓኪም እንተዘይተመዲቡካ ሓገዝ ንምርካብ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ኮሙን ሕተት።

ናይ ግሊ ሓኪም መሰል ኣለኒ ድዩ ውላስ የብለይን ዝብል ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ፡ ናብ ቫይለድኒንግ ሄልሰ ኖርጌ Veiledning helsenorge.no ብቑጽሪ ተሌፎን 23 32 70 00 ክትድውል ትኽእል።

እንታይ ዓይነት ሕክምና ኤችኣይቪ ክትረክብ ትኽእል?

ኣብ ኖርወይ፡ እቲ ክቐርብ ዘለዎ ዓይነት ሕክምና ኤችኣይቪ ድሕሪ ናይ ጨረታ ዙርያታት ዝውሰን ኮይኑ፡ እተን ኩባንያታት መን ዝበለጸ ፍርያት ብዝተሓተ ዋጋ መድሃኒት ከቕርባ ከም ዝኽእላ ንምፍላይ ይወዳደራ።  ብድሕሪኡ፡ ቅድም ቀዳድም እንታይ ዓይነት ሕክምና ኤችኣይቪ ክቐርብ ከም ዘለዎ ብቐዳምነት ዝርዝር ይወጽእ።  ኣብቲ ዝርዝር ዘለዉ መድሃኒታት ጽቡቓት እኳ እንተኾኑ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግን እቲ ርትዓዊ ዋጋ ዘለዎ ሕክምና ከይትጥቀም ትኽእል፡ ኣብ ክንድኡ ካልእ ክቐርበልካ ይኽእል።  እዞም ምኽንያታት እዚኣቶም ኣብ መዝገብ ናይቲ ሕሙም ይስነዱ።

ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክትወስዶ ዝጸናሕካ ሕክምና ኤችኣይቪ ዝፍለ ሕክምና ክትረክብ ትኽእል።

ዝምከሩ ክታበታት

ኣብ ኖርወይ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት እዞም ዝስዕቡ ክታበታት ክወስዱ ይምከሩ፤

 · ክታበት ኮቪድ Covid ምስ መሐየሊ ዶዝ።

 · ክታበት ኢንፍሉዌንዛ ዓመታዊ ክውሰድ ይምከር።

 · ክታበት ኒሞንያ ኣንጻር ነድሪ ሳምቡእ።

 · ክታበት ወይቦ A ኤን/ወይ B ቢን ኣድላይነቱ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ይግምገም።  ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ፡ ክታበት ወይቦ ቢ B ብነጻ ይረኽቡ።

 · ኩሎም ትሕቲ 26 ዓመት ዝዕድሚኦም ከምኡውን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ክታበት ኤችፒቪ HPV ክወስዱ ይምከር።

እቶም ክታበታት ካብ ግሊ ሓኪምካ ወይ ድማ ካብ ክፍሊ ተላባዕቲ ሕማማት ኣብተን ኣብ ከባቢኻ ዝርከባ ሆስፒታላት ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፣ ነጻ ዓቕሚ እንተሃልይዎም።

ገለ ካብዞም ክታበታት እቲ ሕሙም ባዕሉ ዝኽፍሎ ብጽሒት ክህልዎም ይኽእል እዩ።  ነዚ ክታበት ቅድሚ ምእዛዝካ ምስ ሓኪምካ ንምንጻር ተዘራረብ።

ምስጢራዊነት

ምስጢራዊነት፡ ውልቃውን ጥዕናውን ሓበሬታ ናብ ካልኦት ሰባት  ከይመሓላለፍ ዝኽልክል ግዴታ እዩ።

ኩሉ ኣብ ትካል ጥዕና፣ ቤት ጽሕፈት ሓኪም፡ ሆስፒታል ወዘተ ዝሰርሕ ሰብ ናይ ምስጢር ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ።  ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ብመሰረት ሕጊ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና እዚ ግዴታ ኣለዎም፣ መን እዩ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ብመሰረት ሕጊ ሰራሕተኛታት ጥዕና ምዕራፍ 3።

ካልኦት ምስ ማእከል ሕክምና ዝተኣሳሰሩ ከም ሰራሕተኛታት ጽሬት፡ ትቖጻጸርቲ ህንጻ፡ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈትን፡ ብሕጊ ህዝባዊ ምምሕዳር ምዕራፍ 13 ናይ ምስጢር ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም።

ምስ ኤችኣይቪ ምንባር ኣብ ኖርወይ ዝተኣሳሰር ካልእ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፡ ኣብ ሂቭኖርጌ HivNorge ክትረኽበና ትኽእል።

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።