camera_altFOTO: HivNorge
HivNorge(ማሕበር አችኣይቪ ኖርወይ)
ሂቭኖርገ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝጥርንፍ እንኮ ማሕበር ተሓከምቲ ኣብ ኖርወይ እዩ፡ ከም ተወሳኺ ንኩሎም ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት ፈውሲ-PrEP ዝወስዱ ተጠቀምትን ብአችኣይቪ ክልከፉ ዝተዛየደ ተኽእሎታት ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓለለ ኣብ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ውን ንረብሓታቶም ዝቃለስ ማሕበር እዩ።
ማሕበር ሂቭኖርገ ቀንዲ ዕማሙ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ወይ ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት መሰላቶምን ረብሓታቶምን ከምዝሕለወሎም ምርግጋጽ እዩ፡ እዚኦም ድማ መቃርብቶም፡ ተጠቀምቲ ፈውሲ-PrEP: ክልከፉ ዝተዛየደ ተኽእሎታት ዘለዎም ሰባት፡ ከምኡውን ኣብ ሞያዊ ንጥፈታቶም ነዞም ጉጅለታት ዝረኽቡ ሰባትን ማሕበራትን ዘጠቓለለ ውን እዩ።
Les også
schedule31.12.2021
→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19
ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።
schedule21.12.2021
→ ኣብ ሆስፒታል ኦስሎ ተገልገልቲ ምኽሪ እትረኽበሎም ሰዓታት ለውጢ ተጌሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ኦስሎ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ናይ ተመላለስቲ ሕሙማት ክሊኒክ ረኽሳዊ ሕማማት፣ ሰራሕተኛታቱ ብከላ -ምሕማም- ኮሮናዊ ለበዳ፣ ስለዘጋጠሞም ነዚዝስዕብ ለውጥታት ምግባሩ ይሕብር ኣሎ።