HivNorge(ማሕበር አችኣይቪ ኖርወይ)

ሂቭኖርገ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝጥርንፍ እንኮ ማሕበር ተሓከምቲ ኣብ ኖርወይ እዩ፡ ከም ተወሳኺ ንኩሎም ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት ፈውሲ-PrEP ዝወስዱ ተጠቀምትን ብአችኣይቪ ክልከፉ ዝተዛየደ ተኽእሎታት ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓለለ ኣብ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ውን ንረብሓታቶም ዝቃለስ ማሕበር እዩ።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ማሕበር ሂቭኖርገ ቀንዲ ዕማሙ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ወይ ብአችኣይቪ ዝተተንከፉ ሰባት መሰላቶምን ረብሓታቶምን ከምዝሕለወሎም ምርግጋጽ እዩ፡ እዚኦም ድማ መቃርብቶም፡ ተጠቀምቲ ፈውሲ-PrEP: ክልከፉ ዝተዛየደ ተኽእሎታት ዘለዎም ሰባት፡ ከምኡውን ኣብ ሞያዊ ንጥፈታቶም ነዞም ጉጅለታት ዝረኽቡ ሰባትን ማሕበራትን ዘጠቓለለ ውን እዩ።  

Les også

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።

schedule21.12.2021

→ ኣብ ሆስፒታል ኦስሎ ተገልገልቲ ምኽሪ እትረኽበሎም ሰዓታት ለውጢ ተጌሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኦስሎ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ናይ ተመላለስቲ ሕሙማት ክሊኒክ ረኽሳዊ ሕማማት፣ ሰራሕተኛታቱ ብከላ -ምሕማም- ኮሮናዊ ለበዳ፣ ስለዘጋጠሞም ነዚዝስዕብ ለውጥታት ምግባሩ ይሕብር ኣሎ።