Hiv og Covid-19 አችኣይቭን ኮቪድ-19ን

አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብኮሮና ቫይረስ ክልከፍ ወይ ብኮቪድ-19 ከቢድ ሕማም ክሕዞ ዝተዛየደ ተኽእሎ የብሉን። እንተደኣ ሰውነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ትሒቱ( ማለድ ቁጽሪ-CD4 ትሕቲ 200 ኮይኑ) ከምኡውን ካልኦት ከበድቲ ሕማማት ሃልዩካ ነቲ ተኽእሎታት ከዛይዶ ይኽእል እዩ።

scheduleOppdatert: 31.12.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ዎርድ ረኽሳዊ ሕማማት እየን ኣብ ሆስፒታላት ኖርወይ መብዛሕትኡ ግዜ ተሓከምቲ ኮሮና ዝሕክሙ፡ ስለዚ ኣብ ገሊኡ እዋናት ስራሕ ኣጸቢቑ ክበዝሖም ይኽእል እዩ። እዚ ነቶም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝግበረሎም ምክትታል ክጸልዎ ይኽእል እዩ፡ ስለዚ ገለ ካብቲ ዝግበረሎም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ክንዲ ብኣካል ምርካብ ብተለፎን ወይ ዲጂታላዊ ኣገባብ ክትግበር ይከኣል።  

ማሕበር ሂቭኖርገ ብዛዕባ  አችኣይቪን ኮቪድ-19ን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ኣዳልዮም ኣለዉ።  

Les også

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።

schedule21.12.2021

→ ኣብ ሆስፒታል ኦስሎ ተገልገልቲ ምኽሪ እትረኽበሎም ሰዓታት ለውጢ ተጌሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኦስሎ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ናይ ተመላለስቲ ሕሙማት ክሊኒክ ረኽሳዊ ሕማማት፣ ሰራሕተኛታቱ ብከላ -ምሕማም- ኮሮናዊ ለበዳ፣ ስለዘጋጠሞም ነዚዝስዕብ ለውጥታት ምግባሩ ይሕብር ኣሎ።