ዝተሓደሰሓበሬታብዛዕባፖሊክሊኒክፍወሳረኽስታት (infeksjonsmedisinsk poliklinikk) ኣብኡለቫልሆስፒታል
ካብ ዓርቢ 13 መጋቢት ኣትሒዙ ፖሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት ኡለቮል ኣገልግሎታቱ ብምሉኡ ብኮምፕዩተር ጥራሕ ከምዝወሃብ ተጌሩ ኣሎ። ህንጻታት ናይቲ ፖሊክሊኒክ ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ሳምንታት ዕጹው ክኸውን እዩ: እንተኾነ ግና ብኮምፕዩተር ኣገልግሎታት ዝህብ ዘሎ ፖሊክሊኒክ ግን ምሉእ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
scheduleOppdatert: 16.04.2020
createForfatter: Sekretariatet
labelEmner: Infeksjonsmedisinsk poliklinikkkoronavirustigrinja
ኣብ ፖሊክሊኒክ ቆጸራ ዝነበሮም አችኣይቪ ዘለዎም ተሓከምቲ ኣብቲ ፖሊክሊኒክ ተሓሲቡ ዝነበረ መርመራ ደምን ቆጸራን ተሰሪዙ ከምዘሎ መልእኽቲ ክስደደሎም እዩ። እንተኾነ ግና እቲ መዓልቲ ቆጸራ ካብ መዝገብ ቆጸራ ሓኪም ኣይስረዝን እዩ። እቲ ሓኪም መዝገብ ናይቲ ተሓካሚ የንብቦ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርመራታት ደም ይቆጻጸሮ፡ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ዝነበረ ቆጸራ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት የንብቦ፡ ኮምፕዩተራዊ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ(e-resept) ይሰድድን ንሓድሽ ቆጸራ መጸዋዕታ ይሰድድን። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ እቲ ሓኪም ነቲ ተሓካሚ ደዊሉ የዘራርቦ። ኣብ www.helsenorge.no ሎግ ኢን ጌርካ ብምእታው ኣብ መዝገብ ተሓካሚ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብኡ ምስ ኣተኻ «pasientjournal» ዝብል ምረጽ፡ ድሕሪኡ ናትካ ሆስፒታል ዝርከበሉ ዞባ ምረጽ(helseregion)፡ Helse Sør-Øst for Oslo Universitetssykehus ወይ ድማ ኣብ minjournal.no ሎግ ኢን ጌርካ ብምእታው «journaldokumenter» ምረጽ።
ኣብዚቐረባግዜአችኣይቪከምዘለኩምዝፈለጥኩምሰባትውጽኢታትመርመራምስ መጸኣብኡለቮልሆስፒታልንቡርምክትታልክግበረልኩምእዩ።
ኣብ minjournal/helsenorge.no ከምዚ ጌርካ ኢኻ ሎግ-ኢን ብምግባር ትኣቱ:
ኣብ ፖሊክሊኒክ መዓልታዊ ጸሓፊ፡ነርስን ሓኪምን ክህልዉ እዮም። ገሊኦም ተሓከምቲ ውን ብፍሉይ ቆጸራ ክመጹ ክፍቀደሎም እዩ። እቲ ዝሓሸ ብእግርኻ፡ብብሽግለታ ወይ ብናትካ መኪና ምስ ትመጽእ እዩ።እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ንኮሮና ዝሓዞም ተሓከምቲ ቀዳምነት ክንህቦም ንግደድ ምህላውና ክትርድኡልና ይሓተኩም ትብል ላዕለዋይ ሓኪም ናይቲ ፖሊክሊኒክ በንተ ማግኒ በርገርሰን። ዳርጋ ብምሉኦም ተሓከምቲ አችኣይቪ ናይዚ ፖሊክሊኒክ ጽቡቕ ቁጽጽር ክግበረሎም ስለዝጸንሐ እቲ መርመራ ደም ዋላ ቅሩብ እንተተደናጎየ ዘሻቕል ኣይኮነን።
ሓድሽወረቐትመውጽኢኣፋውስ(resept) ንኣፋውስአችኣይቪ
መዓልታዊ ትወስዶም ኣፋውስ አችኣይቪ ክንደይ ተሪፉካ ከምዘሎ ርአ። ንክልተ-ሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣፋውስ እንተደኣ ሃልዩካ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሳምንታት ሓድሽ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ ምውጻእ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ጎደና Storgata ዝርከብ ፋርማሲ1 ኩሉ ዓይነት ኣፋውስ አችኣይቪ ኣለዎም፡ ከምኡውን ሓደስቲ ኣፋውስ ኣብ ሓጺር ግዜ ጠሊቦም ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም።
ሕጂ ቆጸራ ሓኪም እንተደኣ ኔሩካ ኮይኑ ወይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቆጸራ ኔሩካ እቲ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ ብቐጥታ ክሕደሰልካ እዩ። ነዚ ምሕዳስ ዝምልከት ዝኾነ ጌጋ እንተደኣ ተጌሩ ወይ ቅድሚ እቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ዕለተ ቆጸራ ተወሳኺ ኣፋውስ እንተደኣ ኣድልዮምኻ ን HivNorge ተወከሶም እሞ ንሶም ሽዑ ምስ ኣብ ኡለቫል ዝርከብ ፖሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት የራኽቡኻ።
ሓኪምካ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ ምስ ኣሓደሰልካ ከምዘሐደሰልካ ኣብ www.helsenorge.no ጽሑፍ ክጸሓፍ እዩ፡ ኣብዚ ምስ ኣተኻ «pasientjournal» ምረጽ ሽዑ ድማ ሆስፒታልካ ዝርከበሉ ዞባ ትመርጽ፡ ማለት Helse Sør-øst for Oslo Universitetssykehus። ከምኡ ውን ነቲ «Legemidler» ዝብል ምስ መረጽካ እቲ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ ኣብኡ ክትረኽቦ ኢኻ።
ኣብ ኦስሎ ኣብ ጎደና Storgata ዝርከብ ፋርማሲ1 ብምትሕብባር ውን ነቶም ብኮምፕዩተር ነቲ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ ክረኽቡዎ ዘጸግሞም ተሓከምቲ ካልእ ፍታሕ ጌርናሎም ኣለና። ኣብ ጎደና Storgata ዝርከብ ፋርማሲ1 ቀዋሚ ዓሚል እንተዘይኮይንካ እሞ ኸኣ እንተደኣ ኣጸጊሙካ ናይቲ ትወስዶ ፈውሲ ወይ ኣፋውስ መስፈሪ ከኒና ወይ ብኬሪ ከኒና ሒዝካሎም ኪድ፡ ኣብኡ ድማ ተቐባሊ ናይዚ ኣፋውስ ከምዝኾንካ ስለዝርእዩ ካብቲ ፋርማሲ ሓድሽ ኣፋውስ ከተውጽእ ትኽእል። ከምኡውን ካብ ኦስሎ ወጻኢ ትቕመጥ ናብ ከተማ ክትመጽእ እንተ ዘይክኢልካ፡እሞ ኸኣ ኣብ ኡለቫል ዝርከብ ፖሊክሊኒክ ትመላለስ ኮይንካ ናብኡ ደዊልካ ነቶም ኣፋውስ ክትጠልቦም ትኽእል ኢኻ። ናይ መንነት ወረቓቕቲ ምምላእ ኣይትረስዓዮ ኢኻ።
ኣብ ገዛ ክትከውን እንተመሪጽካ ወይ ኣብ ውሸባ እንተደኣ ሃሊኻ ፋርማሲታት ኣፋውስ ብፖስጣ ክሰዱልካ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እዚ ፍታሕ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽወሃበካ ነቶም ፋርማሲ ብቐጥታ ተወከሶም።
እዚ ከመይ ከምዝኾነ ምርዳእ እንተ ኣብዩካ ሓገዝ ንኽትረክብ ንHivNorge ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ። መራኸቢ ሓበሬታ HivNorge ኢመይል post@hivnorge.no ወይ ቁጽሪ ተለፎን 21314580 ወይ 92016892 ብምድዋል ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
ወረቐትመውጽኢኣፋውስዘድልዮምወጻእተኛታትዜጋታት
ኣብ ሆስፒታል ኖርወይ ተሓከምቲ ዘይኮኑ ኣፋውስ አችኣይቪ ዘድልዮም ፡ ግን ካብ ኦስሎ ክወጹ ዘይኽእሉ ናብ HivNorge ናብ ተለፎን 92016892 ክድውሉ ይኽእሉ እዮም፡ ሽዑ ንሕና ምስ ፖሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት ነራኽቦም። ንሶም ሽዑ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ ይህቡኻ ምእንታን ሕክምና አችኣይቪ ክትረክብ።
ኮሮናንአችኣይቪን
አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኮሮናቫይረስ ክሕዞም ዘሎ ተኽእሎታት ወይ ከቢድ ሕማም ክሓሙ ዘሎ ተኽእሎታት ዝተዛየደ ድዩ ዝብል ሕቶታት ይመጻና ኣሎ HivNorge። ካብ ሓላፊ ዎርድ ዎርድ ፍወሳ ረኽስታት ኡለቮል እዚ ዝስዕብ መልሲ መጺኡና ኣሎ:
ዕለት 17.3.20 ብዘለናሓበሬታ አችኣይቪዘለዎሰብኮቪድ-19 ከቢድሕማምከሕምሞዘሎተኽእሎታትየዛይዶእዩዝብልሓበሬታየለን።
ሃገራዊቤት-ጽሕፈትጉዳያትጥዕና(Helsedirektoratet) ዕለት 23 መጋቢትብዛዕባንሕማምኮሮናብፍሉይዝተዛየደተነካእነትዘለዎምሰባትዘለዎምሓበሬታኣሐዲሶሞ፡ ንሱድማዝተዳኸመሰውነታዊናይምክልኻልዓቕሚዘለዎምሰባትየጠቓልልእዩዝብ ልእዩኢሩ።እዚድማንመብዛሕትኦምአችኣይቪዘለዎምንንነዊሕግዜትሑት CD4 ዘለዎምንየጠቓልል።
(De andre definerte risikogruppene)ካልኦት ኮሮና እንተሒዙዎም ከም ተነካእቲ ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ልዑል ዕድመ ዘለዎም፡ ካልእ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ከም ሕማማት ልብን ሰራውር ደምን፡ ሕዱር ሕማም ሳንቡእ፡መንሽሮ፡ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ልዑል ሚዛን ዘለዎምን ሽጋራ ዝስሕቡን እዮም።
ብፍላይ ናትካ CD4 ትሒቱ እንተደኣ ሃልዩ ከምኡውን ካልኦት ከበድቲ ሕማማት እንተደኣ ሃልዮምኻ ምኽርታት ሰበ-ስልጣን ብጥብቂ ክትከታተሎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። (er det særlig viktig at du følger rådene fra myndighetene ekstra nøye.)
ኣብ ትካል ህዝባዊ ጥዕና(Folkehelseinstituttet) ዘለካ ሕቶታት ክምለሱልካ እንተዘይክኢሎም ንዓና ኣብ HivNorge ዘለና ተወከሰና። HivNorge ምስ ፖሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት ኡለቫል ብቐረባ ንዘራረብ ኢና፡ስለዚ ዝኾነ ሕክምናዊ ሕቶታት እንተደኣ ሃልዮምኻ ን ሓካይም ረኽስታት ሕቶታትካ ሓቲትና ብዝተኻእለና መጠን ብዝቐልጠፈ ከምዝምለሰልካ ክንገብር ንኽእል ኢና።
ኣብዚ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ንህዝቢ ዝህቦ ሓፈሻዊ ምኽርታትን ብዛዕባ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ኩነታትን ዝተሓደሰ ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ.(Her kan du lese om Folkehelseinstituttets generelle råd til befolkningen og oppdatert informasjon om situasjonen i Norge.)
Les også
schedule21.01.2026
→ Søker statister til dramaserie om Henki
NRK lager dramaserien "Henki" og søker nå statister og fremtredende statister til innspillingen. Serien forteller historien om Henki Hauge Karlsen, som i 1985 ble sagt opp fra jobben som bartender etter å ha vært åpen om sin hivstatus. Han tok kampen til retten helt til Høyesterett i en sak som fikk stor prinsipiell betydning og bidro til økt åpenhet om hiv og styrket rettighetene til mennesker som lever med hiv i norsk arbeidsliv.
schedule19.01.2026
→ – Kutt i støtte til laboratorieprøver kan få alvorlige konsekvenser
Regjeringen foreslår å kutte støtten til laboratorieprøver tatt av helprivate. Forslaget kan få alvorlige konsekvenser, mener HivNorge. I verste fall kan det føre til lavere tilgang på testing for hiv og andre seksuelle infeksjoner, og at flere vil la være å teste seg.